ሓገዝ ብኣሕረስቲ

ምለኸ ትካል ፍልሰተኛታት ኣብ ሊብያ ተጨወዩም ዘለው ኢትዮጵያዊያን ሶማልያዊያን ነጻ ንምውጻእ ይጽዕር ከምዘሎ ሓቢሩ

1. እዚ Hebamme ዝበሃል ሞያዊ ስራሕ ኣብ ሃገርክን ኣሎ ዶ፧

ምናልባሽ ኣብ ሃገርክን ጥንስቲ ጓል ኣንስተይቲ ብምኩራት ኣንስቲ ኣብ ስድራቤት ከም ወላዲት፡ ዓባይ ሓብቲ ወይ መሓዛ ኣብ እዋን ጥንሲ ትሕገዝን ትምከርን ትኸውን።

ኣብ ጀርመን ከኣ ኣብ ልዕሊ ደገፍ ስድራቤት ናይ ጥንሲ ምኽርን ትምህርትን ቀረባት ኣሎ።
ስለዚ ኣብ እዋን ጥንሲ ሓፈሻዊ ክንክን ብ ኣሕረስቲ ክግበረልክን መሰላት ኣለክን።
ምናልባሽ ብዛዕባ ሕቶታትክን፡ ሻቕሎታትክን፡ ፍርሕታትክን ወይ ድማ ደስታ ውላድክን ክትነግርኦን ክትሓትኦን ትኽእላ ሰብ ኣይትረኽባን ትኾና።
ብዛዕባ ክንክን ጥዕና ኣብ ጀርመን፡ መርመራታት ኣብ እዋን ጥንሲ፡ ኣብ እዋን ጥንስን ድሕሪ ሕርስን ዘሎ ኣገልግሎታትን ቀረባትን ናይ ኣደን ውላድን ዘለክን ኣፍልጦ ውሑድ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ስለዚ ንሕና ነማኽረክን፡ ኣስተምህሮ ንህብ ከምኡ ‘ውን ክሳብ ትሓርሳ ኣብ ጎንኽን ኣለና።

2. ኣሕራሲት (Hebamme) እንታይ ማለት እዩ፧

ኣሕራሲት ወይ ሄብ ኣመ ትበሃል ሰብ ብዛዕባ ጥንስን ሕርስን፡ ክንክን ህጻንን ፍልጠት ዘለዋ ኪኢላ ኢያ። ክኢላ ዘብላ ምኽንያት ድማ ንሳ ፍሉይን ሰፊሕን ትምህርቲ ብዛዕብኡ ስለ ዘለዋ እያ።

ብዛዕባ ክርከቡ ዝኽእሉ ናይ ጥንስን ሕርስን ኣገባባት ፍልልያት ኣብ ሃገርኩምን ኣብዚን ምስኣ ክትዝትያ ትኽእላ ኢኽን።

እዛ ሄብ ኣመ ድማ ኣብ እዋን ጥንስን ድሕሪ ሕርስን ኣስተምህሮን ምኽርን ትህበክንን ትሕግዘክንን እያ። እቲ ንሳ ትገብሮ ስራሕ ብምስጢር ክትሕዞ እውን ስለ ትግደድ ምስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ብዘይ ናትኪ ፍቓድ ብዛዕባኺ ክትዛረብ ኮነ ሓበሬታ ብዛዕባኺ ናብ ካልእ ኣካል ከተማሓላልፍ ኣይትኽእልን እያ።

ዳርጋ ኩሉ ንሳ ትህቦ ኣገልግሎታት ድማ ነዓኺ ብነጻ እዩ።

ኣብ እዋን ጥንሲ:

እታ ሄብ ኣመ ትህቦ ምኽሪ ብዛዕባ ኣመጋግባ ኣብ እዋን ጥንሲ፡ ብዛዕባ ስጋዊ ርክብ፡ ዝምድና ምስ ካልኣይኪ፡ ከምኡ ድማ ናይ ጥንሲ ምጽላእ ከም ዕግርግር፡ ቀሓር፡ ሕማም ሕቖ፡ ብዘይ እዋኑ ዝመጽእ ሕማም ሕርሲን ፍርህን ዝኣመሰሉ እዮም።
ብተወሳኺ ድማ ኣየኖት እዮም ንዓኽን ንህጻንክን ዘድልዮ እንተ ዘይትፈልጢ ኮይንኪ ምሉእ ሓበሬታ ይህባኺ።
ብተወሳኺ እውን ሓንቲ ሄብ ኣመ ኩሉ ናይ ክንክን መርመራታት ብዘይካ ኡልትራ ሻል (Ultraschall) ክትገብር ትኽእል እያ።

እቲ መርመራታት ጥንሲ ድማ እንተ ደሊኽን ኣብ ሄብ ኣመ እንተ ደሊኽን ድማ እንዳ ሓኪም ኬድክን ወይ ውን እንዳ ሓዋወስክን ክትገብራ ትኽእላ ኢኽን።
እታ ሄብ ኣመ እውን ኣበይ ቦታ ኬድክን ክትሓርሳ ከም ትኽእላ ምሳኽን ትዘራረብ። መቀራረቢ ናይ ሕርሲ ኮርስ ክትህበክን እውን ትኽእል እያ። እቲ ኮርስ ወይ ሓንሳብ ኣብ ሰሙን ኮይኑ ንዝተወሰኑ ኣዋርሕ ይኸይድ ወይ ድማ ኣብ ሓደ እዋን፡ ንኣብነት ኣብ ቀዳመ ሰንበት ይትግበር። ኣብ ገሊኡ ከተማታት ገሊኡ ኮርሳት ብኣቶርጓሚት ቋንቋኹም እዩ ዝግበር። ከምኡ ድማ ገሊኡ ኮርሳት ንደቀንስትዮ ጥኑሳት ጥራይ ኮይኑ ገሊኡ ድማ ምስ በዓል ቤትክን ኮይንክን ትመሃርኦ። ንዓኽን ኣየናይ ይሓይሽ ድማ ባዕልኽን ኢኽን ትውስና። ኣብዚ ኮርሳት ድማ ኣብ እዋን ሕርሲ እንታይ ከም ዘጋጥም፡ ቃንዛ ብኸመይ ክትምክትኦ ትኽእላ ከምኡ ድማ እተን ቀዳሞት መዓልትታት ምስ ውላድክን ብኸመይ ከም ትሓልፋኣ፡ ማለት፡ ከም ምጥባው፡ ምምጋብ፡ ክንክን ማማይ ዘኣመሰሉ ሓበሬታን ምኽርን ትቐስማ።

ኣብ እዋን ሕርሲ:

እታ ሄብ ኣመ ኣብ እዋን ሕርሲ እውን ትሕግዘክንን ትመርሓክንን እያ። ኣብ እዋን ሕርሲ ከመይ ከም ትንቀሳቐሳ፡ ማማይ ክወጽእ ከሎ ከመይ ከተተንፍሳ ከም ዘለክን

ይምህራኽን እየን። ወላዲትን ማማይን ብዘይ ገለ ሽግር ማርያም ከተጋላግለክን እዩ ሞይእን። ጸገማት ምስ ዘጋጥሙ ግን ሓኻም ትመጽእ ወይ ይመጽእ።

ድሕሪ ሕርሲ – ኣብ „ኣብ ሰሙናዊ ዓራት“:

ኣደን ውላድን እተን ናይ መጀመርያ መዓልትታት ኣብ ሕክምና ክጸንሓ ኣለወን። ወይ ድማ እንተ ደኣ ኩሉ ስሩዕ ኮይኑ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ድሕሪ ሕርሲ ናብ ገዛኽን ክትፋነዋ ትኽእላ ኢኽን። ኣብ ገዛኽን ምስ ተመለስክን ድማ እታ ሄብ ኣመ ንዓኽን ንውላድክን ኣብ ገዛኽን ኮይና ትከናኸነክን።

እተን ናይ መጀመርያ ዓሰርተ መዓልትታት እታ ሄብ ኣመ መዓልታዊ ናብ ገዛኽን ትመጽእ። ኣብ ምጥባው ጸገማት ምስ ዘጋጥሙ ወይ ናይ ምምግባ ጸገማት ምስ ዝህልው፡ ከይተሰከፍክን ክትሓትኣ ትኽእላ ኢኽን።

ንሳ ከኣ ኣደን ውላድን ጥዕነእን ትከታተል፡ ኣብ ምጥባው ምኽሪ ትህብ፡ ችቸቶ ከመይ ጌርካ ከም ዝወሃብ ትሕብር፡ ማማይ ኣብ ምሕጻብን ምክንኻንን ምሉእ ሓበሬታ ትህብ፡ ሕምብርቲ ማማይ ከይረክስ ትከታተል፡ ክብደት ትመዝን ከምኡ ‘ውን ብተግባርን ብምኽርን ኣብ ትድለየሉ እዋን ወይ ሕቶን ስክፍታን ምስ ዝህልወክን ኣብ ጎንኽን ኣላ።

ሓንቲ ናይ ስድራቤት ኣሕራሲት ወይ „Familienhebamme“ ትበሃል ከኣ ክሳብ እቲ ቀዳማይ ዓመት ውላድ ትኣሊ። ነዚ ዝምልከት ነታ ናይ ጥንሲ ኣማኻሪት ክትውከሳ ትኽእላ ኢኽን።

3. ሓንቲ ሄብ ኣመ ወይ ኣሕራሲት ኣበይ ክረክብ ይኽእል፧

ኣብዚ ኣገዳሲ እዋን፡ ማለት፡ ኣደ ወይ ወላዲት ኣብ ትኾናሉ እዋን ብጽቡቕን ክትእለያን ውሑስ ክኸውንን ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ብእዋኑ ከሎ፡ ማለት ካብ መበል 12 ናይ ጥንሲ ሰሙን ብሄብ ኣመ ክትእለያ ከም ዘለክን ግበራ። እተን ሄብ ኣመ ኣብዚ ሃገር ጸቕጢ ስራሕ ስለ ዘለወን ብቐሊሉ ክርከባ ኣይክእላን እየን። ስለዚ እንተ ደኣ ኣብ ኣፉን ዕርበቱን ክትደልያ ጀሚርክን ከይትረኽባ ትኽእላ ኢኽን። ሄብ ኣመ ንምድላይ ሓገዝ ዘድልየክን እንተ ኮይኑ ከይተሰከፍክን ናብ donum vitae መጺእክን ተወከሳ።

 

CookieHinweis

[DE] Die auf dieser Website verwendeten Cookies dienen ausschließlich der technischen Bereitstellung des Webangebotes. | [EN] The cookies used on this website serve exclusively for the technical provision of the web offer.