ጥንቃቐን ክንክንን ኣብ ስጋዊ ርክብ

ጥንቃቐን ክንክንን ኣብ ስጋዊ ርክብ

በዚ ስዒቡ ዝመጽእ ጽሑፍ ጌርና ብዛዕባ ኣካላዊ ኣቃውማ፡ ስጋዊ ርክብን ክንክኑን ዝኣመሰሉ ኣርእስቲ ተላዒሉ ክንበብን ክንዮ እዚ ጽሑፍ ዘሎ ሕቶታት ድማ ምስ ኣማኸርትና ክትመያየጣን ክትሓታሉን እዩ እቲ ዕላማ።


 

ኣካላዊ ኣቃውማ ጓል ኣንስተይቲ

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ግዳማዊ ዝረእን ውሽጣዊ ዘይረእን ጾታዊ ኣካላት ኣለዋ። ዕዮታት እዚ ጾታዊ ኣካላት ብግቡእ ምፍላጥ፡ ኣብ ጥዕና ኮነ ኣብ ዕጋበት ስጋዊ ርክብ ከምኡ ‘ውን ኣብ ምውጣን ኮነ ኣብ ምውጋድ ጥንሲ ዓቢ ተራ ይጻወት። ግዳማዊ ጾታዊ ኣካላት ጓል ኣንስተይቲ ወይ ውን (Vulva) ዝበሃል ፡ ላቢዩም (ከናፍር ብልዕቲ)፡ ብልዕቲ ከፋት መሸኒ ከምኡ ‘ውን ክትንከፍ ከሎ ሃዋሲ ዝኾነ ቅንጢር እዮም። እንተ ደኣ ዝተኸንሸብክን ኮይንክን ቅድሚ ናብ ሓኪም ምኻድክንን ቅድሚ ጥንሲ፡ ቅድሚ ሕርሲ ናብ ኣማኸርትና እንተ ከይድክን፡ ንሳተን ሓንቲ ምኩርትን ኣብ ከምዚ ዝዓይነቱ ጉዳያት ተመኩሮ ዝደለበት ሓኪም ወይ ሄብ ኣመ ደልየን ክረኽባልክን ይኽእላ እየን። መሸፈኒ ብልዕቲ (ድንግልና) ዝተፈላለየ ምስሊ ኣብ ዝተፈላለያ ደቀንስትዮ ኣለዎ። ኩነታት ህላወ እዚ መሸፈኒ ምሉእ ብምሉእ ኩነታት ድንግልና ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክገልጽ ኣይክእልን እዩ። ውሽጣዊ ጾታዊ ኣካላት ኣብ ታሕተዋይ ክፋል ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ውሑስ ቦታ ሰፊሩ ይርከብ። እታ ብልዕቲ ከፋት መሸኒ ትኽ ኣቢላ ናብ ማህጸን ተምርሕ። እታ ማህጸን ድማ ምስ መትሓዚ እንቋቕሖ ተላጊባ ትርከብ። ኣብቲ ናይ እንቋቕሖ ቦታ ድማ ናይ እንቋቕሖ ወሃዮታት ኣብ ሂወት እታ ጓል ኣንስተይቲ እንዳ ተባኸኑ ዝኸዱ ኣለዉ። ኣብ ነፍስ-ወከፍ ወርሒ ሓንቲ ወሃዮ እንቋቕሖ ጫጪሓ ብመንገዲ መትሓዚ እንቋቕሖ ጌይራ ናብ ማህጸን ትኣቱው። ኣብ መንገዲ ከላ ከኣ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ምስ ዝጽንበርራ ክትፈሪ ትኽእል። እታ ዝፈረየት እንቋቕሖ ኣብ ማህጸን ኣትያ ትዝራእ እሞ ቆልዓ ይፍጠር። እታ እንቋቕሖ እንተ ዘይፈርያ ግን እቲ ናይ ማህጸን መጫጭሒ ኣብ ጽግያቱ ብደም ተሓጻጺቡ ይወጽእ። (ኣብ ጀርመን ደቀንስትዮ ኣብ እዋን ጽግያት ታምፖን ዝበሃል ዝውተፍ ወይ ድማ ሞዴስ ይጥቀማ። እዚ ድማ ኣብ ዝኾነ እንዳ ዱኳን ክርከብ ይከኣል)።

 

ኣካላዊ ኣቃውማ ወዲ ተባዕታይ

ግዳማዊ ዝርእ ጾታዊ ኣካል ወዲ ተባዕታይ ዝበሃሉ፡ መትሎ ምስ ተኣፋፊ ዝኾነ ርእሲ መትሎን ፍረ-ነብስን እዮም። ኣብ ፍረ-ነብሲ ድማ ብምልዮናት ዝቑጸሩ ወሃዮታት ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ይፈርዩ። ኣብ ውሽጢ ኮይኖም ድማ ፈሳሲ ነገር የማዕብሉ እሞ በዚ ኣገባብ ድማ ነቶም ወሃዮታት ዘርኢ ከም መጓዓዚ ኮይኖም ኣብ እዋን ስጋዊ ርክብ ካብ መትሎ ፈሲሶም ይወጹ።

 

ስጋዊ ርክብ

እንተ ደኣ ክልቲኦም መጻምዲ ንስጋዊ ርክብ ሃሪፎም፡ እቲ ወዲ ተባዕታይ መትልኡ ምስ ተረረ ናብ ብልዕቲ መሸኒ እታ ጓል ኣንስተይቲ የእትዎ። እዚ ብሕታዊ ርክብ እዞም ክልተ ስጋዊ ኮነ ስምዒታዊ ዕጋበት ክፈጥረሎም ይኽእል እዩ። ዘይውሑስ ስጋዊ ርክብ ምስ ዝፍጸም ድማ፡ እቲ ዝፈሰሰ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ብ ብልዕቲ ኣቢሉ ናብ ማህጸን ድሕሪ ምእታው ጥንሲ ከስዕብ ይኽእል።

 

ርእሰ-ውሳኔ ስጋዊ ርክብ

ነፍስ-ወከፍ ስጋዊ ርክብ ብወለንትናን ብርእሰ ውሳኔን ክኸውን ኣለዎ። ነፍስ-ወከፍ ወዲ ተባዕታይ ኮነ ጓል ኣንስተይቲ ብኸምይ ዓይነትን ምስ መንን ብስጋዊ ርክብ ተጻሚዱ ከም ዝነብር ወይ ትነብር ባዕሉ ወይ ባዕላ ጥራይ እዮም ዝውስኑ። ዓመጽ ስጋዊ ርክብ፡ ዋላ እውን ኣብ ሓዳር እንተኾነ ኣብ ጀርመን ኩልኩል እዩ። ዝኾነ ይኹን ሰብ ንስጋዊ ርክብ ኮነ ሓዳር ንኽትገብር ዝግድድ ኣካል ክህሉ የብሉን። ብተወሳኺ እውን ልዕሊ ዕድመ ምስ ካብ 16 ዓመት ንታሕቲ ዝኾኑ ሰባት ስጋዊ ርክብ ምፍጻም ከም ገበን ይቑጸር።

 

ዝጸግየሉን ዘይጸግየሉን መዓልቲ

ጽግያት ጓል ኣንስተይቲ ብዝተፈላለየ ርሕቀት ናይ መዓልቲ ክመጽእ ይኽእል እዩ። ብገምጋም ድማ ክልተ ሰሙን ሙሉእ ቅድሚ ናይ ኣዴታታ ዝመጻ ዝጸገየሉ እዋን ስለ ዝኾነ ክትጠንስ ትኽእል። ሓደ ናይ እንቋቕሖ ወሃዮ ካብ 12 ክሳብ 24 ሰዓታት ጥራይ እዩ ክፈሪ (ክጸጊ) ዝኽእል። ወሃዮ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ድማ ካብ 4 ክሳብ 7 መዓልቲ ኣብ ሰውነት ጓል ኣንስተይቲ ከይሞተ ክጸንሕ ይኽእል። ስለዚ ንዝተወሰነ መዓልቲ ናይ ምፍራይ ተኽእሎ ዘለዎ ኩነታት ተፈጢሩ ኣብ ቀጻሊ ዘይኮነ ጽግያት ኣጠራጣሪ ኩነታት ይፍጠር። ናይ ምውላድ ድሌት እንተ ኣለኩም ኮይኑ፡ ኣብ ነፍስ-ወከፍ 3ይ ክሳብ 4ይ መዓልቲ ዘሎ ቀጻሊ ስጋዊ ርክብ ብዘይ ውሑስ ኣገባብ (ብዘይ ኮንዶም) ከተዘውትሩ ኣለኩም። ብኸምዚ ዓይነት ኣገባብ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ፈቲንኩም ጥንሲ እንተ ኣብዩኩም፡ ናብ ሓኪም ኬድኩም እንተ ተመርመርኩም ዝተመርጸ እዩ።

 

ኣስተምህሮ ስጋዊ ርክብ

ኣብ ጀርመን ኩሎም ህጻናትን መናእሰያትን ከከም ዕድሚኦም ብወለዶም ኮነ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኣስተምህሮታት ብዛዕባ ስጋዊ ርክብ ይግበረሎም እዮም።

 

ክንክን ጥንሲ

እንተ ደኣ ኣብዚ እዋን ክትጠንሳ ዘይትደልያ ወይ ዘይትኽእላ ኮይንክን፡ ዝተፈላለዩ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ኣሎ። ዝኾነት ኣማኻሪት ጥንሲ ወይ ሓኪም ደቀንስትዮ ብዛዕባ ኣጠቓቕማን ውሕስነቱን፡ ክፍሊቱን ኣሉታዊ ሳዕቤናቱን ክትሕብረክን ትኽእል እያ።

 

ክንክን ጥንቃቐ

ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ክትጠንስ እንተ ዘይደልያ ወይ ዘይትኽእል ኮይና፡ ዝተፈላለዩ መከላኸሊታት ክትጥቀም ትኽእል። ኣማኻሪት ጥንሲ ወይ ድማ ሓኪም ማህጸን ብዛዕባ ኩሉ ውሕስነትን፡ ወጻኢታቱን ጥዕናዊ ሳዕቤናቱን ከማኽራ ቅሩባት እየን።

ከኒና ብሆርሞን ኣቢሉ እንቋቕሖ ከይጫጭሕ ይኾልፍ። እዚ ኣዝዩ ውሑስ ዝኾነ መከላኸሊ ጥንሲ እኳ እንተ ኾነ ካብ ኣሉታዊ ሳዕቤናት ግን ናጻ ኣይኮነን።
ነሃስ ዝተጠምጠሞ ወይ ሆርሞን ዘለዎ ጎማ ኣብ ማህጸን ይኣቱው እሞ ነቲ ምንቅስቓስ ዘርኢ ወዲ ተባዕታይ ኣትዩ ምስ ወሃዮ እንቋቕሖ ከም ዘይራኸብ ይገብር።

እዚ ኣገባብ እዚ ብዝበለጸ ብኣቐዲመን ቆልዑ ዝወለዳ ደቀንስትዮ ዝዝውተር እዩ።

ሆርሞን ዘለዎ መርፍእ (Hormonimplantat), ኣብ ሰለስተ ወርሒ ትውግኦ መርፍእ (Dreimonatsspritze), ሆርሞን ዘለዎ ፕላስተር (Hormonpflaster) ከምኡ ውን ኣብ ብልዕቲ ዝኣቱ ቀለቤት (Vaginalring) ዝበሃሉ ናይ ሆርሞን መከላከሊ ጥንሲ ኮይኖም ኣጠቓቕምኦም ኣብ ውሕስነት ዓቢ ተራ ዝጻወት ኣገባባት እዮም።

ሉፕ (Diaphragma) ዝበሃል ቆብዕ መሳሊ ልውይውይ ዝብል ላስቲክ ኮይኑ፡ ኣብ ኣፍደገ ብልዕቲ ብቅብኢ መሳሊ ተገይሩ ዝግፍተን መከላኸሊ እዩ። ኣብዚ እውን ኣጠቓቕምኡን ኣቀማምጥኡን ኣብ ውሕስነት ጥንሲ ተራ ኣለዎ።

ብተፈጥርኣዊ መንገድታት ከም ምዕቃን ምቖት ወይ ምክትታል ክሳድ ማህጸን ውሑስ ክንክን ጥንሲ ኣይኮነን። እዚ “Coitus interruptus” ተባሂሉ ዝፍለጥ “እንዳ ተጠንቀቕካ” ዝግበር ስጋዊ ርክብ እውን ፍጹም ውሑስ ኣይኮነን።

ኮንዶም እቲ እንኮ መከላኸሊ (ብዘይካ ምምካን ፍረ-ነብሲ) ወዲ ተባዕታይ እዩ። ብግቡእ ኣገባብ ምስ ዘዘውትርዎ ኮንዶም ካብ ዘይተደልየ ጥንስን ሕማም ኤይድስን ካልኦት ብስጋዊ ርክብ ዝመሓላለፉ ሕማማትን ይከላኸል።

ከኒና ድሕሪ ስጋዊ ርክብ እዚ ስጋዊ ርክብ ምስ ተፈጸመ ኣብ ሓጺር እዋን እንተ ነውሐ ካብ 3 ክሳብ 5 መዓልቲ ድሕሪ ስጋዊ ርክብ ዝውሰድ ፈውሲ ጥንሲ እዩ።

ኤይድስ (HIV Infektion) ሓደ ሰብ ክልበድ ዝኽእል እንተ ደኣ ብብዝሒ እቲ ቫይረስ ካብ ሓደ ዝተለኽፈ ናብ ካልእ ሰብ ክመሓላለፍ ክኢሉ እዩ። እቶም መላብዒ መንገድታት እካ፡ ብደም፡ ብዘርኢ ወዲ ተባዕታይ፡ ብነዝዒ ብልዕቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ብጸባ ጡብ ኣደ፡ ከምኡ ‘ውን ብስጋዊ ርክብ ዘጋጥሙ ሓደጋዊ ማህሰይቲ ኣብ ጾታዊ ኣካላት፡ ኣብ መዓኮር ብግበረ ሶዶማዊ ስጋዊ ርክብ፡ ወይ ድማ ኣብ ኣፍ ብኣፋዊ ስጋዊ ርክብ እዮም። ስለዚ ኣብ ኩሉ መዳያት ኮንዶም ምጥቃም! ጥኑሳት፡ ሓራሳትን ኣጥበውትን ደቀንስትዮ ንውላደን ከመሓላልፋሉ ይኽእላ እየን። እዚ ምትሕልላፍ ቫይረስ ብመድሃኒት ክግታእ ይከኣል እዩ። ብዛዕባ እዚ ናብ ሓኪምክን ኬድክን ሓበሬታ ውሰዳ። ኮንዶም ካብ ብስጋዊ ርክብ ክመሓላለፉ ዝክእሉ ሕማማት ክከላኸል ይኽእል እዩ። ንኣብነት ከም ጅግል፡ ፍንጠጣ፡ ጎኖርያ ወይ Hepatitis B።

ተወሰኽቲ ሓበሬታ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ኣብዚ መርበብና www.zanzu.de ከምኡ ‘ውን www.bzga.de ናይ ሃገራዊ በዓል መዚ ኣስተምህሮ ጥዕና (BZgA) ትረኽቡ።

ማሕተም ቤት-ጽሕፈት ኣማኸርቲ፡ ቀጺሉ ዘሎ ቆጸራ፡ መጽሓፊ ሓሳባት

 

 

CookieHinweis

[DE] Die auf dieser Website verwendeten Cookies dienen ausschließlich der technischen Bereitstellung des Webangebotes. | [EN] The cookies used on this website serve exclusively for the technical provision of the web offer.