ምኽሪ እንታይ ማለት እዩ፧

ምኽሪ እንታይ ማለት እዩ፧
ጥዕና ከለና ኸ ናብ ሓኪም ምኻድ የድሊ ድዩ፧

ብዛዕባ ናይዚ ሃገር ኣብ ማሕበራዊ ኮነ ኣብ ናይ ጥዕና መዳያት ፈልማዊ ዝኾነ ኣንፈታት ክንህበክንን ናይ ነጻን ዘይወገናዊን ዝኾነ ምኽርን ሓበሬታን ብዛዕባ ጥንሲ ክንልገሰልክንን እዩ ድልየትና። ኣብ ጸገም ምስ ትህልዋ ወይ ውን ሓፈሻዊ ምኽሪ ምስ ትደልያ፡ ኣብ ብዙሓት ናይ ኣማኸርቲ ቦታ ኬድክን ሓገዝ ክትረኽባ ትኽእላ ኢኽን። ኣብ ጀርመን ከምዚ ዓይነት ተግባራት ዝውቱርን ልሙድን ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ።

1. ጥንሲ:

ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ወይ ዝኾነ ወዲ ተባዕታይ ንስጋዊ ርክብ፡ ምቛም ስድራቤትን ጥንስን ዝምልከቱ ሕቶታት ኣስተምህሮ ክወሃብ ወይ ክትወሃብ (ብዓንቀጽ 2,1 SchKG) ምሉእ መሰል ኣለዎ ወይ ኣለዋ።
ኣብ ቁዋም እዛ ሃገር ሰፊሩ ከም ዘሎ ከኣ „ዝኾነት ኣደ ክንክንን ደገፈን ናይ ስድራቤታ ክግበረላ መሰል ኣለዋ“። ጥኑሳት ደቀንስትዮ ከኣ (እዚ ማለት ኣብ ነፍስ-ወከፍ 4 ሰሙን፡ ኣብተን መወዳእታ ክልተ ኣዋርሕ ከኣ ኣብ ክልተ ሰሙን) ናብ ሓኪም ወይ ኣውላዲት ብምኻድ ናይ ጥዕና መርመራታት ክግበረለን መሰል ኣለወን። ዘሕርሰ ሓኪም፡ ክኢላ ማማይ፡ ናይ ምውላድ ክንክን ኮርስ፡ ከምኡ ‘ውን ዝሓርስሉ ክሊኒክ ጥኑሳት ባዕለን ክመርጻ ይኽእላ እየን። ናይ ኣደነት ታሴራ ምስ ተዋህበን ድማ እንተ ወሓደ ሰለስተ ግዜ ናይ ኡልትራሻል (ብኮምፕዩተር ኩነታት ህጻን ኣብ ከብዲ መመርመሪ) መርመራ ይግበረለን።

ካብ መጀመርያ፡ ማለት ካብ ምውጣን ስድራቤት ኣብ እዋን ጥንሲ ዘሎ መስርሕ ክሳብ ውላድክን ሰለስተ ዓመት ዝገብር ኣገልጉሎትና ክትጥቀማ ትኽእላ ኢኽን። ናይ ኣታዊ ገንዘብ ጸገማት፡ ናይ ጥዕና ሕቶታት፡ ግጭት ምስ መጻምዲ፡ ናይ ገዛ ምድላይ ጸገማት፡ ናይ ኣላዪት ህጻን ሓገዛት፡ ኣብ ዕረፍቲ ግዜ ዝግበር ናይ ስድራቤት ንጥፈታት፡ ናይ ማማይ ክፍሊ ምፍራሽ፡ ኣቐዲምካ ዝግበር ናይ ወረቓቕቲ ጉዳያት...ወዘተ ዝኣመሰሉ ጉዳያት ምስ ዝህልወክን ኣበይ ኬድክን እንታይ ሓገዝ ክትገብራ ከም ትኽእላ ነማኽር።

ድሕሪ ምሕራስክን ድማ ካብ ምምሕዳር ከተማ ናይ ህጻን ክብረ መዝገብ ወረቐት ክወሃበክን እዩ። ብድሕሪ እዚ ድማ በታ ኣላይትኽን ክትከናኸና ኢኽን ከምኡ ‘ውን ቀጻሊ ዝኾነ ጥዕናዊ መርመራታት ንህጻንክን ክግበር እዩ። ቤት ጽሕፈት መንበርን ስደትን፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ኢሚግረሽንን ድማ ናይዚ ክብረ መዝገብ ቅዳሕ ወረቐት ክትህብዎም ኣለኩም።

2. ግጭት ኣብ እዋን ጥንሲ:

ሓደ ሓደ እዋን ጥንሲ ዘይምቹግ ኩነታት ይፈጥር እዩ። ምናልባት ሓቦኽን ትጽንቅቓሉ ግዜን ትደኽማሉ ግዜን ሓገዝ ትደልያሉን ክኸውን ይኽእል እዩ ትገብርኦ ይጠፍኣክን ብፍርሂ ውን ክትወሓታ ትኽእላ ኢኽን።

ኣብ ከምዚ ኩነታት እምበኣር ንሕና ግዜ ወሲድና ንኹነታትክን ብዘይ ዝኾነ ውጽኢታዊ መኽሰብ ምኽሪ ንልግስ ከምኡ ‘ውን ጉዳይክን ብምስጢር ንዕቅብ። ጎኒ ጎኑ ከኣ ምስ ውላድክን ትኸድኦ ጥጡሕ መገዲን ዝተፈላለዩ ሓገዛትን ነናድን ነበርክትን። ኣብተን ናይ መጀመርያ ዘለዋ 12 ሰሙናት ጥንስኽን ከተስድደኦ ምስ ትደልያ፡ ብሕጊ መሰረት ኣብ ብመንግስቲ ዝተረጋገጸ ናይ ጥንሲ ኣማኸርቲ ኬድክን ፍቓድ ከተውጽኣ ኣለክን። ኣብ መንጎ እቲ ናይ ምኽሪ ዝርርብን ምስዳድ ጥንሲ ዘሎ ግዜ ድማ ካብ 3 መዓልቲ ክሓልፍ የብሉን። ብድሌትክን ከኣ ድሕሪ እቲ ምኽሪ እቲ ዘድሊ ምስክር ወረቐት ክወሃበክን እዩ። እቲ ናይ ጥንሲ ምስዳድ መስርሕ ወይ ብመድሃኒት ምውሓጥ ወይ ድማ ብኦፐረሽን ዝዓይነቱ ኣገባባት እዩ ዝሰላለል። እዚ ግን ሓኪም ጥራይ እዩ ዝውስኖን ዘተግብሮን። ድሕሪ ምስዳድ ጥንሲ እውን ምኽርን ሓበሬታን ካባና እንተ ደሊኽን፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ክንተሓባበረክን ድልዋት ኢና።

3. ቅድሚ ምሕራስ ዘሎ መርመራታት:

ኣብ እዋን ጥንሲ፡ እቲ ኣብ ከብዲ ዘሎ ህጻን ዝኾነ ጸገማትን ሕማማትን ንኸይህልዎ ንምፍላጥ ብናትክን ናይ ደቀንስትዮ ሓኪም ዝግበር መርመራታት (Pränataldiagnostik) ዝበሃል ኣሎ። እዚ መርመራታት ንዓኽን ወይ ኣቕሳኒ ወይ ከኣ ኣሻቓሊ ክኸውን ይኽእል እዩ። ስለዚ ብዛዕባ ከምዚ ዝኣመሰሉ መርመራታት ንምውሳን እውን ብዘድሊ ሓበሬታታት ምኽሪ ክንህበክን ንኽእል ኢና (ናይ ክፍሊት!)

እቲ ኣብ ከብድኽን ዘሎ ህጻን ዝኾነ ጸገማት ምስ ዝህልዎ ድማ፡ ጽዑቕ መርመራታትን ምድላዋትን ናይቲ ሕሙም ህጻን ሓቢርና ንገብር። ብሰንኪ እቲ ጸገማት ጥንስኽን ክቋረጽ (ክስደድ) ምስ ትደልያ ድማ ነቲ ከቢድ ውሳኔን ጽንኩር ግዜን ክትብድህኦ ኣብ ጎንኽን ጠጠው ንብል።

4. ስእነት ውላድ ብዘይ ድሌት:

ኣብዚ ሃገር ዑቕባ ምስ ትሓታ መጀመርያ ስሩዕ ናይ ህይወት መድሕን ውሕስነት ኣይኮነን ዘለክን። ሃንደበታዊ ወይ ከቢድ ሕማም ምስ ዘጋጥመክን ጥራይ ኢኽን ብነጻ ክትሕከማ ትኽእላ። ብተወሳኺ እውን ጥኑሳት ኣንስቲ፡ ግዳይ ኲናት ወይ ግፍዒ ዝኾኑ ሰባት ከምኡ ‘ውን ስንክልና ዘለዎም ሰባት እውን ፍሉይ ክንክን ይግበረሎም እዩ። ውላድ እንተ ኣብዩክን እሞ ኸኣ ብሕክምናዊ ኣገባብ ክትጠንሳ ደሊኽን ግን እቲ ኩሉ ወጻኢታት ሕክምና ምስ ክብሩ ካብ ጁባኽን ክትሽፍንኦ ኣለክን። ክሳብ እቲ ስሩዕ ናይ ህይወት መድሕን ዝወሃበክንን ሕክምናዊ መስርሕ ትጅምራን ግን ብርትዓዊ ዋጋ እቲ ጸገማት ንክፍለጥ፡ ንኣብነት ምክትታል ናይ ጽግያት ስሩዕ ዙረት ፡ ኡልትራ ሳውንድ፡ ናይ ሆርሞን መርመራ፡ ብቕዓት ዘርኢ በዓል ቤትክን ... ወዘተ ከተዘውትራ ትኽእላ ኢኽን። ኣብዚ ግን እቲ መጻምድትኽን ወዲ ተባዕታይ እውን ብልክዕ ከማኻን ክምርመር ኣለዎ። ምኽንያቱ ናይ ዘይምውላድ ተኽእሎ ብደቅንስትዮ ጥራይ ዘይኮነ ብደቅተባዕትዮ እውን በተዛማዲ ኣገባብ ስለ ዘጋጥም። ኣብቲ ንሕና ንህቦ ምኽሪ ብዛዕባ ምምካን ኮነ ምጽጋይ፡ ናይ ኣካላዊ ኣገባባት፡ ከምኡ ድማ ብዛዕባ ዕድላትን ሳዕቤናትን ሕክምና ሓበረታታት ትረኽቡ ብተወሳኺ ድማ ብሰንኪ ናይ ምውላድ ጸገማት ዘጋጥሙ ከም ሓዘን፡ ሕርቃን፡ ቅንኢ፡ ስምዒት ገበነኛ ምዃን፡ ጸቕጢ ናይ ስድራቤት፡ ግጭት ኣብ ሓዳር፡ ናይ መጻኢ ራኢን ኣማራጺታትን ከመይ ጌርኩም ትምክትዎ ትምህርቲ ነቕስም።

5. ማህረምቲ / ጭኮና:

ደቀንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣብ ጀርመን ሓደ መሰል እዩ ዘለዎም። ዝኾነ ዓይነት ኣካላዊ ማህረምቲ ኮነ ስነ-የእምራዊ ጭኮና ንደቀንስትዮ፡ ንደቂ ተባዕትዮ ወይ ንህጻናት ዋላ እውን ኣብ ሓዳርን ስድራ-ቤትን እንተኾነ ኩልኩልን ዘቕጽዕን እዩ። ከምዚ ምስ ዘጋጥመኩም ናብቶም ኣማኽረቲ ሰራሕተኛታትና ኪዱ፡ ምስጢራዊ ዝኾነ ሓገዝን ክንክንን ክንገብረልክን ኢና። ኣብ ህጹጽን ኣስጋእን ዝኾነሉ እዋን ድማ በዛ ናይ ናጻ ክፍሊት ቁጽሪ ተሌፎን 08000 116016 ደዊልክን ምስጢራዊ ዝኾነ ኣስተምህሮታት ብዝተፈላለየ ቋንቋታት ክትረኽባ ትኽእላ ኢኽን።

6. ምስጢራዊ:

እንታይ ከም ትገብራ እንተ ጠፊኡክን፡ ጥንስኽን ክትሓብኣ ተገዲድክን ወይ ውን እንተ ኸፍእስ ንበይነይ ከዕብዮ እየ ውላደይ ትብላ ኮይንክን፡ ብዕቁብ ምስጢር ከመይ ጌርክን ከም ትሓርሳ ምሳና ክትማኸራ ትኽእላ ኢኽን።
ውላድክን ሕክምናዊ ክንክን እንዳ ኣማላእክን ክትሓርሳ ትኽእላ ኢኽን። ስምክን ምጥቃስ እውን ኣየድልየክንን እዩ። ኣብ ቅድሚ ሕርሲን ድሕሪ ሕርሲን ዘሎ ግዜ ከኣ ንሕና ኣብ ጎንኽን ኮይና ነማኽረክንን ንሕግዘክን። ኩሉ ዘድሊ ዘበለ ሓገዛት እውን ካባና ትረኽባ። መሰላትክን መሰል እቲ ህጻንን እውን ዝተማልእ እኸውን። ኩነታት መነባብሮ መዋጽኦ ዘይብሉ ኮይኑ እንተ ተሰሚዑክን ድማ ኣብቲ ሚስጢራዊ ሕርሲ እኹል እዋን ኣለክን ክትሓስባሉ። ኩነታት ፍጹም ዘይጥዑም ኮይኑ እንተ ተሰሚዑክን ውላድክን ናብ ጥዑማት ወለዲ ክወሃብ ይከኣል እዩ። እንተ ተጠራጢርክን ድማ (ካብ ሕርሲ ጀሚርክን ክሳብ ናይ ሞግዚት ስምምዕ ትፈራረማ) ውላድክን ክትዕቅባ ኣብ ዝኾነ ሰዓት ሓሳብክን ክትልውጣ ትኽእላ ኢኽን። ኣብዚ ከቢድ ውሳኔታት ድማ ንሕና ኣብ ጎንኽን ኮይና ንሕብሕበክን! (ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝግበር ናይ ሓገዝ ተለፎን 0800 4040020).

ማሕተም ክፍሊ ኣማኸርቲ፡ ቀጻሊ ቆጸራና፡ መዘከርታ ጽሑፍ

 

CookieHinweis

[DE] Die auf dieser Website verwendeten Cookies dienen ausschließlich der technischen Bereitstellung des Webangebotes. | [EN] The cookies used on this website serve exclusively for the technical provision of the web offer.