ግጭት ኣብ እዋን ጥንሲ

ግጭት ኣብ እዋን ጥንሲ

1. ንሕና ኩላህና ካብ donum vitae ንኣምነሉ ነገር እንተሎ ሂወት ጸጋ ምዃኑ እዩ። ሓደ ሓደ እዋን ግን ጸገማት ብዕብየቶም ጥንሲ ንኽቅጽል ዘየእኽእሉ ኩነታት የጋጥም እዩ።

እዞም ጸገማት ካብ ጥርጥር፡ ሻቕሎት፡ ጥዕናውን ቁጦባዊን ድኽመታት፡ ግጭት ኣብ ሓዳር፡ ፍርሂ፡ ጽምዋ፡ ብሕሉፍ ተመክሮ ኣብ መንገዲ ንስደት ወይ ከኣ ዝተፈቕረ ሰብ ምስ ዝፍለይ ዝኣመሰሉ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም።

2. እንተ ደኣ ኣብ ውሽጢ እተን መጀመርያ 12 ሰሙን ጥንሲ ከተስድዳ ደሊኽን፡ ብሕጊ ዓንቀጽ 219 StGB መሰረት ኣብዚ ሃገር፡ ናብ ኣማኸርቲ ግጭት ኬድክን ዘድሊ ሓበሬታ ክትቀስማ ግዴታ እዩ። እዚ መስርሕን መረጋገጺ ወረቐት ካብቶም ኣማኸርቲ ምስ ተምጽኣ፡ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ገበናዊ መንገዲ ኣብዚ ሃገር ጥንሲ ከተስድዳ ትኽእላ ኢኽን።

እቲ ናይ ኣማኸርቲ ኣገልግሎት ብነጻ ኮይኑ ምስጢራዊ እውን እዩ። ዝኾነ ኣማኻሪ ድማ ብዘይ ናትኪ ወለንታዊ ፍቓድ ፌርማ ንዝኾነ ይኹን ኣካል ብዛዕባ ሽግርኪ ክዛረብ ወይ ክነግር ብሕጊ ኣይፍቀዶን እዩ። ኣድላይነት ምስ ዝህልዎ ከኣ ብሕጊ ዝተቐየደት ኣቶርጓሚት ክትጽዋዕ ትኽእል እያ። ብእሙን መንገዲ ድማ ብዛዕባ ኩሉ ጸገማትኪ ስክፍታኽን ክትዛረቢ ትኽእሊ ኢኺ።

ምስ ውላድኪ ክትነብርሉ ዝከኣል መንገድታት እንተሎ ሓብሪና ነናዲ። እቲ ዝርርብ እውን ቀንዲ ዕላምኡ ኣንፈታት ምድላይን ሞራል ምሃብን እዩ።
እቲ ዝርርብ ክፉት ውጽኢት እዩ ዝጽበ። ንስኺ ውሳኔ ክትውስኒ ጥራይ ኢና ንሕግዘኪ። ዝወሰድክዮ ውሳኔ እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ ድማ ንሕና ነኽብሮ።

ደቀንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ነንውልቆም ወይ ድማ ብጽምዲ ምኽሪ ክወሃቡ ይከኣል እዩ። ድሌት እንተ ኣሎ ድማ እሙን ሰብ (ኣደ፡ ሓብቲ፡ መሓዛ...) ክጽንበርዎ ይከኣል እዩ። ካብቶም ኣማኸርቲ ድማ ኣብ መወዳእታ ናይ ተሳታፍነት ምስክር ወረቐት ክወሃበኩም ይከኣል እዩ።

ክሳብ እቲ ጥንሲ ክትሰድዮ ዲኺ ወይ ክትዕቅብዮ ምሉእ ብምሉእ ትውስኒ፡ ካብ ሓደ ንላዕሊ ናይ ምኽሪ ዝርርብ ክትሳተፊ ትኽእሊ ኢኺ። ዝኾነት ጓል ኣንስተይቲ ድማ እዚ ውሳኔ እዚ ብዘይ ጽልዋ መጻምዳ ናይ ባዕላ ውሳኔ ክትውስን ይግባእ። ጥንሲ ክስደድ እንተ ዘይደሊኺ ከም ኣማራጺ እቲ ህጻን ምስ ተወልደ መታን ብግቡእ ክዓቢ፡ ናብ ካልእ ስድራቤት ክወሃብ ክትውስኒ ትኽእሊ ኢኺ። ብዛዕባ እዚ እውን እቶም ኣማኸርቲ እኹል ሓበሬታ ክህቡኺ ይኽእሉ እዮም።

እዚ ቤት ጽሕፈትና ብተወሳኺ ኣብ ቁጦባዊን ተግባራዊን ጸገማት ይተሓባበር እዩ።
(ናይ ግብረሰናይ ክፍሊት፡ ስራሕ፡ ገዛ፡ ጥዕናዊ ኣገልግሎት፡ ናይ ህጻን ክንክን፡ ካልኦት ተወሰኽቲ ሓገዛት...)

ብዛዕባ ምስዳድ ጥንሲ ክትፈልጥኦ ዘለክን ነገር:

1. ኣብ መንጎ እቲ ናይ ምኽሪ ዝርርብን ምስዳድ ጥንስን ናይ 3 መዓልቲ ፍልልይ ክህሉው ኣለዎ። እቲ ምስዳድ ጥንሲ ወይ ብከኒና ወይ ድማ ብኦፐረሽን ብሓኪም እዩ ዝግበር።
ቋንቋኹም ዝዛረብሉ ሰራሕተኛታት ዘለዎ ሕክምና ምረጹ ወይ ድማ ትኣምንዎ ሰብ ክትርግሞልኩም ሒዝኩም ምጹ።

2.ብኦፖረሽን ምስ ዝኸውን መብዝሕቱኡ ግዜ ኣብ ክሊኒክ ወይ ኣብ ናይ ደቀንስትዮ ሓኪም ብምሉእ መደንዘዝን ምሕዳር ዘይብሉን እዩ ዝትግበር። ኣብዚ እዋን እዚ ዘመላልሰክን ሰብን ቆልዑ ኣብ ገዛ እንተለዉ ድማ ዝሕልወልክን ሰብ ኣዳልዋ።

ናይ መድሃኒት ምስዳድ ጥንሲ እንተኮይኑ ድማ ክሳብ 9ይ ናይ ጥንሲ ሰሙን ጥራይ እዩ ክግበር ዝከኣል። ብምክትታል ሓኪም ድማ ክልተ ከኒና ኣብ ናይ ክልተ መዓልቲ ፍልልይ ተዋሂቡክን ምስ ወሰድክንኦ እቲ ድቂ ይሰባበር።

መድመይቲ፡ ዕግርግር ምባል፡ ፍኹስ ዝበለ ቃንዛ ዝኣመሰሉ ክሰምዓክን ይኽእል እዩ። እንተ ደኣ ረስኒ ጌሩልክን፡ ከቢድ ቅርጸት ወይ ከቢድ መድመይቲ ገይሩልክን ግን ብህጹጽ ናብ ሓኪምክን ክትከዳ ይግባእ።

ብድሕሪ እዚ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዳግማይ መርመራ ይግበረልክን።

3. እቲ ወጻኢታት ናይ መስደዲ ጥንሲ ምስ ቁጦባዊ ኩነታትኪ ዝተኣሳሰር እዩ። እንተ ደኣ ሰራሕተኛ ኮይኒን እኹል ኣታዊ ኣለኪ ኮይኑን እቲ ወጻኢታት ባዕልኺ ክትከፍልዩ ኣለኪ። ከም ስደተኛ መጠን ናይ ሓገዝ ገንዘብ (ALG 2) ትወሃቢ ኮይንኪ ግን ትኸፍልዮ ነገር ዋላሓንቲ የልቦን። ካብቲ ናትኪ መድሕን ድርጅት ወጻኢታት ክንሽፍነልኪ ኢና ዝብል ደብዳቤ ክመጸኪ እዩ።

እቲ ናይ መድሕንክን ድርጅት ደብዳቤ፡ ናይ ምኽሪ ምስክር ወረቐት፡ ናብ ሕክምና መስደዲ ወረቐት፡ ናይ መድሕን ካርድኺ ወይ ናይ ሕክምና ምስክር፡ እንተ ኣለክን ድማ ናይ ደምክን መለለዩ ታሴራ ወይ መፍለጢ ምዕባለ ህጻን (ሙተር ፓስ) ናብቲ ሕክምና ወይ ክሊኒክ ሒዝክንኦ ኪዳ።

4. እንተደኣ ጥንሲ ክትሰዳ ወሲንክን ግን ብድሕሪኡ መሊስክን ምኽሪ ደሊኽን፡ ሰራሕተኛታትና ብዘይ ቀልዓለም ክሕግዛኽንን ብዛዕባ ክንክን ጥንሲ ከምኡ ‘ውን ውጥን ስድራቤት ምኽርን ሓበሬታን ክህባኺ ድልዋት እየን።
ኣስተውዕላ፡ ክልተ ሰሙን ድሕሪ ምስዳድ ጥንሲ እቲ እንቃቕሖኽን ክጫጭሕ ስለ ዝኽእል ዳግማይ ናይ ምጥናስ ተኽእሎ ኣሎ ማለት እዩ።

ግዜ ወሲድና ክንሰምዓክን ኢና – donum vitae.

 

CookieHinweis

[DE] Die auf dieser Website verwendeten Cookies dienen ausschließlich der technischen Bereitstellung des Webangebotes. | [EN] The cookies used on this website serve exclusively for the technical provision of the web offer.